ናብ እቲ ናይ መጀመሪያ መቐበሊ መንበሪ ኣብ ነጻ ሃገር ቱሪንገን ኣብ ሱህል እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም

ኮሮና

መብርሂ ብዛዕባ ምልክት ሕማም ኮቪት-19 ምክልኻልን  —>ኣብዚ >  (ግዳማዊ መራኸቢ፣ ካብ ናትና ገጽ ወጺእኩም!)

ንኮሮና ከመይ ጌርካ ከም እትኣሊ ዝሕብር መምርሒ ቀጻሊ ብእዋናዊ ይትካእን ይመሓየሽን እዩ። እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝተፈላለየ እዩ፣ ሓደ ሓደ እዋን‘ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ። ብዛዕባ እዚ ሓበሬታ ብቋንቋኹም ክትረኽቡ ትኽእሉ —> ኣብዚ። (ግዳማዊ መራኸቢ፣ ካብ ናትና ገጽ ወጺእኩም!) 

ስርዓት ገዛ - እዘን መምርሒታት ኣብ መንበሪ መጀመሪያ መቐበሊ EAE ሱህል ዘገልግላ እየን

ስርዓት ገዛ

ኣብዚ መንበሪ ሓዲሽ ክትመጹ ከለኹም፣ ናብ ካንሸሎ ክትኣትውን ክትወጹን ከለኹም ተድልየኩም፣ ሓንቲ ናይ ገዛ መንነት ወረቐት ትወሃቡ (ቺፕ ካርድ)። በዚ ወረቐት መንነት ኣብ ዝደለኹሞ እዋን ናብዚ ናይ መጀመርያ መቐበሊ ክትኣትውን ክትወጹን ትኽእሉ። ካብኡ ብዝተረፈ እውን ነዛ ናይ ገዛ ወረቐት መንነት ኣብ ገዛ 23 ንምግቢ ተድልየኩም እያ። ናብ ሓዲሽ መንበሪ ቅድሚ ምቕያርኩም ነታ መንነት ወረቐት ገዛ ንሰራሕተኛታት ገዛ ምለስዋ። 

ናብዚ ምስ መጸኹም ኣብ ገዛ ኣብ ሓደ ምስ ካልኦት ነበርቲ ብሓባር ትነብርዎ ክፍሊ ክትምደቡ ኢኹም።  ብኽብረትኩም  ብዘይ ፍቓድ ናብ ሓደ ካልእ ክፍሊ ኣይትቐይሩ። ምቕያር ክፍሊ ምስ ASB ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተሰማሚዕኩም ጥራሕ እዩ ዝፍቀድ።

እስኹም ኣብ ገዛ ዘየለኹም ከለኹም እውን፣ ኣብ ሓደ ክፍሊ ሓድሽ ንዝመጸ ሰብ ምምዳብን ምእታው ይከኣል እዩ። በዚ ምኽንያት ብኽብረትኩም ዋጋ ንዘለዎ ንብረትኩም ተጠንቀቑ። ዋጋ ዘለዎ ንብረትኩም ብውሕስነት ምእንቲ ከተንብርዎ ነቲ ኣብቲ ኣኽበርቲ ጸጥታ ዘለዉዎ ቦታ ዝርከብ ናይ ሓጺን ሳንዱቕ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም፣ እቶም ኣብኡ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ክሕግዙኹም ቅሩባት እዮም።

ውልቃዊ ንብረት ምስ ዝጠፍእ ንሕና ምንም ሓላፍነት ኣይንወስድን ኢና። 

ካብ 7 መዓልቲ ንላዕሊ ካብዚ ወጺእኩም እንተጸኒሕኩም፣ ውልቃዊ ንዝኾነ ንብረትኩም ካብ ክፍልኹም ኣውጺእና ንሰለስተ ኣዋርሕ ከነቐምጦ ኢና። ኣብዚ እዋን ንንብረትኩም እንተ ዘይወሰድኩሞ፣ ንሕና ንኻልኦት ክንዕድሎ ኢና። 

ኣብ ክፍልኹም ዝርከብ ኩሉ ኣቕኹት ናትና እዩ ኣብኡ ከኣ ክቕመጡ ኣለዎም።

ነቲ ኩሉ ዝተለቃሕኩሞ ንብረት፣ ከም እኒ ኣንሶላ፣ ሽጎማኖ፣ መተርኣስ፣ ኮቦርታ ዝኣመሰሉ፣ ካብዚ ገዛ ክትወጹ ከለኹም ብኽብረትኩም ናብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት መሊስኩም ኣረክቡ።  

መንቀጺ ጸጉሪ፣ ኤለክትሪካዊ መሕጸቢ ስኒ ወይ ኤለክትሪካዊ መላጸዪ ምጥቃም ዝፍቀድ ኣብቲ መሕጸቢ ክፍሊ ጥራሕ እዩ ።

ኣኽበርቲ ኣገልግሎት ስርዓት ሓሓሊፎም ቦርሳ ንኽፍትሹ ይግደዱ እዮም። እዚ ዝግበር ካብ ኩሉ ንላዕሊ ንናትኩም ውሕስነት ተባሂሉ እዩ።

ብኽብረትኩም ንኽፍልኹም ብጽርየት ሓዝዎ ከምኡ እውን ነቲ ናይ ገዛኹም ርስሓት ዕለታዊ ናብ እቲ ኣብ ግዳም ንዕኡ ተቐሪቡ ዘሎ ጉሓፍ ውሰድዎ። ብኽብረትኩም ነቲ ርስሓትኩም ኣብ ኮሬድዮ ኣይተቐምጥዎ። እቶም ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ደርብታት ዕለታዊ ዙረት ክገብሩ ከለዉ ሓዲሽ ናይ ርስሓት ጎማ ትውሃቡ።

ብኽብረትኩም ብዛዕባ ኩሎም ብጾትኩም ኣብ ውሽጢን ካብ ውሽጢ ካንሸሎን ወጻኢን ተገዳስነት ኣርእዩ። ባእሲ ቅድሚ ምፍጣሩ፣ ተማይጥኩም ክትፈትሑዎ ፈትኑ። ብከምኡ መፍትሒ ክርከብ እንተዘይተኸኣለ፣ ናባና ምጹ፣ ንሕና ድሕሪኡ ብሓባር ኵንና ሓደ መፍትሒ ክንረኽበሉ ኢና።   

ናይ ለይቲ ሰላም ክኽበር ኣለዎ። እዚ ማለት ከኣ ካብ ምሸት ሰዓት 22:00 ክሳብ ንግሆ ሰዓት 06:00 ድምጺ ክስማዕ የብሉን።

ምብላዕ ኣብ መመገቢ ክፍሊ ጥራሕ እዩ ዝፍቀድ። ምግቢ ኣብዘን ዝስዕባ እዋናት እዩ ዝወሀብ:

ቁርሲ: ሰዓት 08:00 ክሳብ ሰዓት 09:30 

ምሳሕ: ሰዓት 12:00 ክሳብ ሰዓት 13:30 

ድራር: ሰዓት 17:00 ክሳብ ሰዓት 18:30 

ነቲ ዝተጠቀምኩሙሉ ኣቕኻ ምግቢ ኣብቲ መምለሲ ኣቕሑት ኣቐምጥዎ። ብኽብረትኩም ነቲ ተረፍ ምግቢን ካልእ ጉሓፍን ፈላሊኹም ኣብቲ ንዕኡ ዝተዳለወ መጉሓፊ ደርብይዎ።    

ኣብ ክፍሊ ምግቢ ኣይብላዕን‘ዩ! ክበላሾ ዝኽእል ምግብን ኣቕሑት ምግብን ናብቲ መንበሪ ዘለዎ ቦታታት ምውሳድን ምቕማጥን ኣይፍቀድን እዩ። ነቲ ማንካ ፋርኬታኩም ኣብ ጥቓ መመገቢ ክፍሊ ንዕኡ ተቐሪቡ ኣብ ዝርከብ መሕጸቢ ባስካ ባዕልኹም ሕጸብዎ።

ብሓላፊ ቤት ምግቢ ነቶም ካብ 1 ዓመት ንታሕቲ ንዝኾኑ ሕጻናት ዝኸውን ምግቢ ውሕስና ይረጋገጽ። ብእኡ ወገን እቲ ፍሉይ ዝኾነ ምግቢ ሕጻናት (ኣብ ንኣሽቱ ጠራሙስ) ከምኡውን ንቑጽ ምህርቲ ጸባ ይቕረብ። ድልየትኩም እንተኾይኑ ነቲ „ጥርሙስ-ሕጻናት“ በቶም ሰራሕተኛታት ክሽነ ተሰሪሑ ክቕረበልኩም ይኽእል። ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንዓኹም ናይ ሕጻናት ምግቢ መውዓዪ ይቕርበልኩም እዩ፣ ውዑይ ማይ ኣብቲ ኣብ ገዛ 19 ዘሎ ናይ ስድራቤታት ገዛ ወይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ወይ ኣብ ኣኽበርቲ ኣገልግሎት ስርዓት ብዝቕረበልኩም መውዓዪ ማይ ጌርኩም ከተውዕዩ ትኽእሉ። ክሽነ ኣብ ዝኽፈተሉ እዋን እውን ውዑይ ማይ ክቕረበልኩም ይኽእል እዩ።

ክዳውንትኹም ንምሕጻብን ምንቃጽን ኣብ ናይ መጀመርያ መቐበሊ መንበሪ (EAE) ማእከል መሕጸቢ ክፍሊ ኣሎ። 

ነዚ ክፍሊ ኩሉጊዜ ኣብዘን ዝስዕባ ሰዓታት ምጥቃም ይከኣል እዩ:

ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ: ሰዓት 10:00 ክሳብ ሰዓት 12:00 ከምኡ ሰዓት 14:00 ክሳብ ሰዓት 16:00፣

ቀዳምን ሰንበትን: ከም ኣድላይነቱ። ነዚ ብዝምልከት ብኽብረትኩም ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተዛረቡ።

ኣገደስቲ ዝኮና መልእኽታት፣ ደብዳበ ንምቕባልን ሓበሬታትን ብተወሳኺ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኮረድዮ ናይ መንበሪ ህንጻ ዝርከባ ሰሌዳታት ክትርእዩ ትኽእሉ። 

ማሕበራዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ኩለን ገዛውቲ ኣሎ፣ ኣብኡ ናይ ምምያጥ ሰዓት ቀረባት ከም ዝስዕብ ኣሎ፡

ገዛ 19 ካብ ሰዓት 13:30 -15:00 

ገዛ 20 ካብ ሰዓት 13:30 -15:00 

ኣብዚ ናይ ምምያጥ ሰዓት ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሕቶታት ብዛዕባ እዚ መንበሪ ቦታ፣ ብዛዕባ ናይ ደገፋት ዕድላት፣ ትምህርቲን ናይ ዕረፍቲ ጊዜ ቀረባት ከምኡ እውን ብዛዕባ ካልኦት ሕቶታትን ጸገማትን ናብ ASB ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተወከሱ።

ፖስታኹም ናብ ASB ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ገዛ 20 እዩ ዝመጽእ። ኣብኡ እቲ ፖስታ በብዓይነቱ ይፈላለ ከምኡ ድማ ኣብ ደርብታት ዕለታዊ ዙረት ክገብሩ ከለዉ ብቐጥታ ነቲ ተቐባሊ ይወሃብ። ናይ ባኮ ፖስታ ዝተሰደደልኩም እንተ ኾይኑ፣ እቶም ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንዓኹም ይነግሩኹም እስኹም ድማ ኣብ ገዛ 20 ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ትወስድዎ።

 

ኣብ መንበሪ ዘቤታዊ እንስሳ ምቕማጥ ኣይፍቀድን‘ዩ።

ምክልኻል ባርዕን ውሕስነትን

ኩሉኹም ብውሕስነትን ስርዓትን ክትነብሩ ምእንቲ ክትክእሉ፣ ነቲ እቶም ኣመሓደርቲ መንበሪ፣ ኣኽበርቲ ጸጥታን ሰራሕተኛታት ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዝህብኹም መምርሒ ተኸተሉ።

ሽጋራ ምትካኽ ኣብቲ ንዕኡ ተባሂሉ ኣብ ግዳም „መትከኺ ደሴት“ ዘሎ ቦታ ጥራሕ እዩ ዝፍቀድ። 

መውዓዪ፣ እቶን ኳሬንቲ፣ ተጠላቒ መፍልሒ ካልኦት ነዚኦም ዝኣመስሉ ኣቕሑትን ኣብዚ ገዛ ክልኩላት እዮም። ሃልሃል ዝብል ሓዊን (እቶን ጋዝ፣ ሽምዓ ወ.ዘ.ተ.) ዝባራዕ ፈሳስን ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ክፍልታት ምቕማጥ ይኹን ምጥቃም ኣይፍቀድን እዩ።    

መህደሚ መገድታት፣ ብፍላይ ከኣ ኣስካላታትን ኮረድዮን፣ ኩሉ ጊዜ ነጻ መሕለፊ ክኾኑ ኣለዎም። 

ኣብ ገዛ ንዘለዉ ናይ ኤለክትሪክ መሳርሒታት ኣይትተንክፉ! ምዕራይ ዘድሊ እንተ ኾይኑ፣ ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ወይ  ንኣኽበርቲ ኣገልግሎት ስርዓት ንገሩ።

ነቲ ናይ ባርዕ መጠንቀቒ፣ ህጹጽ ጉዳይ ከይተፈጠረ ምውላዕ ወይ ድማ ኮነ ኢልካ ምብልሻው ክልኩል እዩ። ናይ ሓዊ መጠንቀቒ እንተ ተወሊዑ፣ ቢምቦሪ ሻዓ እዮም ዝመጹ። በዚ ምኽንያት ክብ ዝበለ ዋጋ እዩ ዝፍጠር። ነቲ ናይ ባርዕ መጠንቀቒ ብዘይ ምኽንያት እንተ ወሊዕኩም፣ ነቲ በዚ ስዒቡ ዝኽተል ናይ ቢምቦሪ ክፍሊት እስኹም ኢኹም ትሽፍኑ።  

ብኽብረትኩም ነቲ ናይ ባርዕ ምክልኻል መምርሒ ፍለጥዎ። ሕቶ ምስ ዝህልወኩም፣ ንኣመሓደርቲ መንበሪ ወይ ድማ ንማሕበራዊ ጉዳይ ሰራሕተኛታት ተወከሱ። 

ኣብ ኮረድዮ ኩዑሾ ምጽዋት፣ ዝርገጽ ዕንክሊል ምጽዋት፣ ብኾረር ምንሽታሕ ወ.ዘ.ተ. ኣይፍቀድን እዩ፣ እዚ ዝፍቀድ ኣብ ደገ ጥራሕ እዩ።

ኣብ ናይ መጀመርያ መቐበሊ መንበሪ (EAE) ኣልኮል ይኹን ድራግ ምውናንን ምውሳድን ኣይፍቀድን እዩ። 

ዝኾነ ዓይነት ናይ ውግእ መሳርያ ምውናን ክልኩል እዩ።

ውሕስነት ቆልዑ ንምሕላው ተባሂሉ፣ ንናትኩም ውሕስነት እውን፣ ነተን ኣብ ክፍልኹም ዘለዋ መሳኹቲ እስኹም ኣብ ክፍሊ ከለኹምን ንሓጺር እዋን ጥራሕን (ብግምት 5 ደቒቕ – ቀልጢፍካ ምንፋስ) ጋህ ኣቢልኩም ክፈትዎ። 

ካብኡ ብዝተረፈ ነተን መሳኹቲ እንተበዝሔ ላዕሊኤን ቀኒኑ ጥራሕ ይከፈታ ከምኡ ድማ ካብ ጥቅምቲ ክሳብ መጋቢት ብዝተኻእለ መጠን ይተዓጸዋ።  

ናይ ነበርቲ ውሕስነትን ጥዕናን ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ዝኽእል ነገራት እንተ ተረኺቡ፣ እቲ ዝተረኸበ ነገር ብሰራሕተኛታት ናይ መጀመርያ መቐበሊ (EAE) ወይ ድማ ብኣኽበርቲ ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣቱ እዩ ከምኡ ድማ (ህይወት ዘለዎም እንስሳ ገዲፍካ) ንመሰጋገሪ እዋን ክቕመጥ እዩ።    

እስኹም ኣብ ናይ መጀመርያ መቐበሊ ኣብ ትነብሩሉ እዋን፣ እንስሳታት ብናትኩም ወጻኢ ኣብቲ ናይ ከባቢ መዕቆቢ እንስሳታት ክነብሩ እዮም። ኩሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝኣተወ ነገራት፣ እስኹም ካብዚ ክትወጹ ከለኹም ክምለሰልኩም እዩ።  

ብሓባር ምንባር

ናይ ሓደ ሰብ መበቆል ሃገር፣ ቀለም ቆርበት፣ ሃይማኖት፣ ማሕበራዊ ደረጃ፣ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ፣ ጾታ፣ ዕድመ ወይ ወሲባዊ ምእዘና ብዘየገድስ: ኣብዚ ኩሎም ማዕረ እዮም። ነንሕድሕድኩም ተኸባቢርኩምን ሃዲእኩምን ተሳነዩ። ማንም ሰብ ካብ ካልእ ሰብ ኣይበልጽን‘ዩ።

ዝኾነ ዓይነት ጎነጽ ይኹን ምፍርራሕ ኣብዚ ተቐባልነት የብሉን። ንኸምዚ ተግባራት ብርቱዕ መቕጻዕቲ እዩ ዘሎ።

ምናዳ ነቶም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ሰባት ከም እኒ ቆልዑ፣ መንእሰያትን ኣንስትን ብፍላይ ሕለዩሎም። ብዝተኻእለኩም መጠን ነዚኣቶም ደግፍዎም። 

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንውልቃዊ ስእሉ መሰል ኣለዎ። ንኻልእ ሰብ ምስኣል፣ ፊልም- ወይ ድምጺ ምቕራጽ ዝከኣል እቲ ውልቀሰብ በዚ እንተ ተሰማሚዑ ጥራሕ እዩ ዝፍቀድ።   

ወለዲ ንደቆም ናይ ምሕላውን ምቁጽጻርን ሓላፍነት ኣለዎም። 

ኣብዚ መንበሪ ዝኾነ ዓይነት ሸቐጥ ኣቕሑት ይኹን ቀረብ ኣገልግሎት ከምኡ እውን ሬክላም ንግዲ ምግባር ኣይፍቀድን እዩ።    

ኣብ ናይ መጀመርያ መቐበሊ መንበሪ (EAE) ዕለታዊ ካብ ሰዓት 08:00 ክሳብ ሰዓት 22:00 ኣጋይሽ ክትቅበሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ፍሉይ ንዝኾነ ምኽንያት ምሕዳር ክፍቀድ ይኽእል እዩ፣ ኣቐዲምኩም ሕተቱ። 

ዝበጽሓኩም ብኣኽበርቲ ኣገልግሎት ስርዓት ክምዝገብ ኣለዎ ከምኡ እውን ብማሕበራዊ ኣገልግሎት ክፍቀድ ኣለዎ። ንዕኡ ሓደ ዕላዊ ወረቐት መንነት የድልዮ እዩ። ነቲ ዝበጽሓኩም ኩሉ ጊዜ ካብ ኣኽበርቲ ጸጥታ ባዕልኹም ውሰድዎ። ካብዚ መንበሪ ቦታ ክኸይድ ከሎ ድማ ነቲ ዝበጽሓኩም ይኸይድ ከም ዘሎ ባዕልኹም ሓብሩ። ኣብ ሞንጉኡ ካብዚ መንበሪ ቦታ ወጺእኩም ክትከዱ እንተ ደሊኹም፣ ምስ እቲ ዝበጽሓኩም ብሓባር ኲንኩም ክትወጹ ጥራሕ እዩ ዝፍቀድ። 

ፍሉይ ኩነታት ማስ ዝህሉ ንምሳለ ተላባዒ ሕማም (ኮሮና) ኣብ ናይ መጀመርያ መቐበሊ መንበሪ (EAE) ኣጋይሽ ኣብ ውሽጢ EAE ኣይክኣልን እዩ።

ሓግዙና!

ዝኸበርኩም ነበርቲን ዝኸበርኩም በጻሕትን

ብኽብረትኩም ከምዚ ዝስዕብ ጉዳያት ምስ ዘጋጥም ቀልጢፍኩም ንኣመሓደርቲ መንበሪ፣ ንኣኽበርቲ ጸጥታን ንሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ሓብሩ: 

ባርዕን ሓደጋ ሓዊን፣

ስነ ኣእምሮኣዊን/ ወይ ኣካላዊ ጎነጽ እንተተፈጠረ፣ ከምኡውን ብዓይነት ቓላት ዝግበር ከም እኒ ዘርአኛነት ወይ ጾታዊነት ዘረባታት፣ ጸርፊ ወይ ምፍርራሕ፣ ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት (ነበርቲ፣ በጻሕቲ ወይ ድማ ሰራሕተኛታት) ወይ ንብረት፣ 

ኣብ መንበሪ ዝተፈጸመ ዘቕጽዕ ተግባራት፣ 

ናይ ገዛ መምርሒ ምጥሓስ፣ 

ተላባዲ ሕማም፣ 

ባልዕ እንተ ተረኸቡ፣ 

ብልሽት ኣብ መስኮት ወይ ማዕጾ፣ ኣብ መውዓዪ ገዛ፣ ኣብ ሻምብቆ ማይ፣ ኣብ መሳርሒታት ኤለክትሪክ፣ ኣቕሑት ጽርየት ከምኡ ድማ ኣብቲ ናይ ክሽነ ናውቲን ኣብ ውሽጢ መንበሪ ክፍልታትን ሓባራዊ ክፍልታትን።

ሃይማኖት

ኣብ እዋን ኮሮና ሃይማኖትኩም ንምምላኽ ብዝምልከት ሕቶ ኣለኩም‘ዶ? ስለዚ ብኽብረትኩም ናብተን ኣብዚ ተዘርዚረን ዘለዋ ትካላትን ወከልቲ መዛርብትን ተወከሱ።  –> ሓበሬታት (ግዳማዊ መራኸቢ፣ ካብ ናትና ገጽ ወጺእኩም!)

ብመሰረቱ፣ እዚ ሕጂ እዋናዊ ኮይኑ ዘሎ ግትኣት ንኹሎም ሰባት ማዕረ እዩ ዝምልከት ንእዋን ሃይማኖታዊ ኣውደኣመት እውን ከምኡ ይምልከት እዩ፣ ፍሉይ ዝኾነ መምርሒ የለን።   

መርሓባ

ስነ ጥበብ፣ ኮምፑተር፣ ስፍየት፣ ቋንቋ ጀርመንኛ

ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ናትኩም ኣብ መጀመርያ መቐበሊ (EAE) ምንባር

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽንን ስደተኛታትን (BAMF) / ቦታ ምቕያር (Transfer)