ናብ እቲ ናይ መጀመሪያ መቐበሊ መንበሪ ኣብ ነጻ ሃገር ቱሪንገን ኣብ ሱህል እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም

ሓበሬታ

ናብ ሱህል እንቋዕ ብደሓን መጸኹም!

ንሱህል ትፈልጥዋ‘ዶ? ክሳብ ሕጂ ኣይትፈልጥዋን? ስለዚ ነዛ ኣብ ማእከል ጀርመን እትርከብ ሓንቲ ካብተን ማራኺት ዝኾነት ከተማን ከባቢኣን ከነላልየኩም። ኣብዚ ገፊሕ ዝኾነ ስንጭሮ ናይ ላውተር፣ ሃዘልን ፌሰርን ምስ እቲ ማራኺ ተፈጥሮኣዊ ከባቢኡ ዳርጋ 37.000 ዝኾኑ ሰባት ይነብሩ። እቲ ናይ ቱሪንገር ጫካ እውን ብርቂ‘ዩ! ኣብኡ ጎቦታት፣ ጥሉቓትን ጥውይውይ ዝበላን ስንጭሮታት፣ ብዓይኒ ርኢኻ ዘይትውድኦ ጫካን ኣሎ። እታ ከተማ እውን እንተኾነት ማራኺት‘ያ። ካብ መስከረም 2013 ጀሚራ እዛ ከተማ ንሙሉኡ ናይ ከተማኣ ግዝኣት በቲ „ብሃገር ዝተፈለጠላ ቦታ ዕረፍቲ“ ብዝብል መሰየሚ ከተላሊ ትኽእል እያ፣ በዚ ከኣ ኣብ ቱሪንገን ዝዓበየት እያ! ነቲ ካብ ኣረጊትን ሃዲሽን ሰሊጡ ዝተሓናፈጸ፣ ነዛ ቀረባ ርሕቀታት ዘለዋ ሓንቲ ንእሽተይ ከተማ ኣስተማቕሩዋ! እቲ ተፈጥሮ ኩሉ ጊዜ ኣብ ኣፍደገኹም እዩ ዘሎ፣ ምኽንያቱ እዚኣ ኣብቲ ነጻ ሃገር ቱሪንገን ብተፈጥሮ ዝሃብተመት ከተማ እያ። ካብ መዕረፊ ባቡራት ሱህል ተበጊስካ ካብ ሓደ ሰዓት ኣብ ዝሓጽር እዋን ናብ ናይ ሃገር ዋና ከተማ ኤርፉርት ወይ ድማ ናብ ከተማ ቲያትር ማይኒንግ ይብጻሕ።     

ዕዳጋ ኣብ ሱህል

ማእከል ከተማ ሱህል ምስተን ኣብ ጸቢብ ቦታ ዝርከባ ብዙሓት ዱካውንትን ናይ ሸቐጥ ትካላትን፣ ንከተማ ሱህል ከተማ ዕዳጋ ተባሂላ ንኽትስመ ተርኤን ተጻዊተን እየን። ሽታይንቬግ ሴንተርን ላውተርቦገን ሴንተርን ንዓኹም ሰፊሕ ዝኾነ ቀረባት ክዳውንቲ፣ ስልማታትን ምግብን ቀሪበናልኩም ኣለዋ። ናይ ሱህል ኮንግሬስ ሴንተር ምስ እቲ ኣዳራሽ ከተማን መዘናግዒ መሐንበሲ ከምኡ እውን ናይ ተሽከርከርቲ ሙዚየም ጋለሪያ ከተማን፣ ናይ ውግእ መሳርያ ሙዚየም፣ ናይ እንስሳታት ምርኢት፣ ዝተፈላለየ ምግብታት ዝቕርባ ቤት ምግብታት፣ ዘመናዊያን ባራት፣ ናይ ቀደም ህንጻታት ተዋህዶ ከም እኒ ሽታይንቬግ/ዕዳጋን ናይ ጎደና ሃይንሪክሰር ዕዳጋ – እዚ ኹሉ ነገራት እዛ ከተማ ንነበርታን ኣጋይሻን ማራኺት ከም እትኸውን እዩ ዝገበራ።  

እዋን ዕረፍቲ ኣብ ሱህል

በቲ ዘለዋ ባህላዊ ቀረባታ ምኽንያት ከተማ ሱህል ኣብዚ ከባቢ ዓቢ ጽልዋ እዩ ዘለዋ። ኣብ ኮንግሬስ ሴንተር ዘሎ በብዓይነቱ ቀረባት – ከም እኒ ናይ MDR- ኦርኬስትራ ሙዚቃ – ከምኡውን ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብ ሲነፕለክስ-ማእከል ቺነማ በተን ኣብዚ ከተማ ዘለዋ ካብ 100 ንላዕሊ ዝኾና ባህላዊ ማሕበራትን ጉጅለታትን ነዚ ቀረብ የማልኦኦ እየን። ነበርቲ ከተማ ኣብተን ካብ 80 ንላዕሊ ዝኾና ጉጅለታት ስፖርት ክገብሩ ይኽእሉ። ኣብ ሱህል ዘልው ሰፍሰፍቲ ክብደትን ተጻወቲ ቦሊቦልን ኣብ ጀርመን ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ እዮም ዝወዳደሩ ከምኡውን ብዙሓት ናይ ከተማን ውልቃዊያን ናይ ስፖርት ትካላት ንውድድር ዘብቅዕን ንእዋን ዕረፍቲ ዝኸውንን ስፖርት ኣዕጋቢ ቀረብ ኣለወን።      

ኣገደስቲ ኣድራሻታት ኢንተርኔት (ግዳማዊ መራኸብቲ):

www.suhl-tourismus.de

www.suhltrifft.de

www.tierpark-suhl.de

www.suhl-ccs.de

www.fahrzeug-museum-suhl.de

www.schwarzer-crux.com

www.meeresaquarium-zella-mehlis.de

www.exotarium-oberhof.de

መርሓባ

ስነ ጥበብ፣ ኮምፑተር፣ ስፍየት፣ ቋንቋ ጀርመንኛ

ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ናትኩም ኣብ መጀመርያ መቐበሊ (EAE) ምንባር

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽንን ስደተኛታትን (BAMF) / ቦታ ምቕያር (Transfer)