ናብ እቲ ናይ መጀመሪያ መቐበሊ መንበሪ ኣብ ነጻ ሃገር ቱሪንገን ኣብ ሱህል እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም
ንጥፈታት
መደብ ASÜ (ትምህርቲ ሙያን ስራሕን ንስደተኛታት ኣብ ደቡብ ቱሪንገን)
ሓባራዊ መደብ ናይ TIBOR GmbH ን ናይ SPA gGmbH:
– ቀሊል ናይ ዕንጨይቲን ሓጻውንትን ስራሕ (SPA gGmbH, ኣቶ ሚካኤል ሽሎት)
– ስራሕ ስፍየት (TIBOR GmbH)
– ምፍታን ኮምፑተር፣ ብናይ ጀርመን ሶፍትዌር ምስራሕ፣ ምግጥጣም ኮምፑተር (TIBOR GmbH)
– ትምህርቲ ጀርመንኛ „ቀዳማይ ስጉምቲ ጀርመንኛ“ (TIBOR GmbH)
ን TIBOR GmbH ዝውክል መዛርብትኹም ኣቶ ላርስ ራይንሃርድት እዩ
ቤት ዕዮን ስፍየትን ዝኽፈተሉ እዋናት: ጉጅለ 1 ሰዓት 09:00 – 12:00 ከምኡ ድማ ጉጅለ 2 ሰዓት 13:00 – 16:00
ኣስተምህሮ ጀርመንኛን ኮምፑተርን: ሰዓት 09:00 – 10:30፣ ሰዓት 10:45 – 12:15፣ ሰዓት 12:45 – 14:15 ን ሰዓት 14:30 – 16:00
ናይ መንበሪ ኩነታቶም ንዘይተረጋገጸ ስደተኛታት ናይ መጀመርታ ኮርስ ምእዘና (ናይ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ኮርስ (BAMF-Kurse))።
ናይዚ ኮርስ ትሕዝቶ ዕለታዊ ናብራን ምእዘና ኣብ ጀርመንን፣ ከም እኒ ዕዳጋ፣ ምጥቃም መጎዓዚያ ህዝቢ፣ ባህልን ልምድን፣ እዚ ከኣ ኩሉ ጊዜ ምስ ምምላኽ ቋንቋ ጀርመንኛ ዝተተሓሓዘ እዩ።.
እዋን ኣስተምህሮ: ኮርስ 1: ሰዓት 09:00 – 12:15፣ ምስ ናይ 15 ደቓይቕ ዕረፍቲ፣ ኮርስ 2: ሰዓት 12:45 – 16:00 ምስ ናይ 15 ደቓይቕ ዕረፍቲ
ዝውክል መዛርብቲ: ኣቶ ጉንተር ቦይሸርትን ኣቶ ላርስ ራይንሃርድትን እዮም።
እንዳ ሻሂ
እቲ እንዳ ሻሂ – ሓደ ክፋል መደብ ናይ ኢቫንጀሊካል ኣገልግሎት ስደተኛታት ደቡባዊ ቱሪንገን ኣብ ሄነበርገር ወረዳዊ ቤተክርስቲያን እዩ ንዓና ኣበይ ትረኽቡና:
98527 ሱህል / ፍሪድበርግ
ጎደና ቫይድበርገር 22 – 24
ገዛ 23
ደርቢ 2
ንኸፍተሉ እዋናት:
ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ:
ሰዓት 15:00 – ሰዓት 17:00
ኣብዚ እንታይ ትረኽቡ:
• ማዕረ ኵንካ ምርኻብ
• ቦታን እዋንን ንምምጻእ
• ርክብ ምስ ደቀባትን ስደተኛታትን
• ንምጽዋት ዝጥዕም ምእላይ ቆልዑ
• ንነኣሽቱን ዓበይትን ጸወታ
• ቀለም ምልካይ፣ ኢደጥበብ፣ ምስኣል
• ብሓባር ምዝማርን ሙዚቃ ምጽዋትን
• ብሓባር ምብዓል፣ ንምሳለ ዕለት ልደት
• ምእዘናን ደገፍን
እቲ ናትና እንዳ ሻሂ ነቲ መጸዊዒኡ ምእንቲ ከተግብር ተባሂሉ፣ ምስ እቲ ካልእ ነገራት ምግብን መስተን እውን ዝተቐረበ እዩ። ንቡን፣ ሻሂ፣ ዶልቺን ዝተሰንከተ ምግብን ካብ ልቢ ንዕድመኩም። ንነኣሽቱ ኣጋይሽና ድማ ካካዎ ኣሎ።
ንዓና ብኸመይ ትረኽቡና:
ኣዳሊኖ ማሱቪራ ጆኣኦ – ዲያቆንን መራሒ መደብን: ተሌፎን: 03681 308193
ሄንድሪክ ሹበል – ናይ መደብ ሰራሕተኛ እንዳ ሻሂ: ተሌፎን: 03681 8045355
ንጽግዕተኛ ኣገባብ መስርሕ ነዘን ሰባት ጠለበ
ናይ ቤት-ጽሕፈት ተሌፎን 03681 8045355
ስነ-ተለፎን ቁጽሪታት ከምኡውን ን WhatsApp
Adelino Massuvira: 0170 3490948
Barbara Gottwald: 0160 98171388
Franziska Parschan: 0170 4885413
Reinhard Hotop: 0171 2898405
Jana Zickmann: 0160 96377583
Hendrik Schübel: 0171 2898376
ስፖርት ምግባር:
ብስፖርት ምጽንባር ኣብ ቱሪንገን – እዚ ኣብቲ ናይ መጀመርያ መቐበሊ መንበሪ ሱህል (EAE Suhl) ፍሉይ ዝኾነ ንስደተኛታት ንምእላይ ዝግበር ናይ ስፖርት መደብ እዩ። ኣብዚ ዝተፈላለያ ዓይነት ስፖርት ተቐሪቡልኩም ኣሎ፣ ናይ ውሽጢ ገዛን ናይ ግዳምን ስፖርት።
ኣብዚ እዋን እውን እዚ መደብ ናብ ካልእ ወረዳታታ ምስ ተመደብኩም፣ ንዓኹም ምስ እቶም ናይ ከባቢ ጉጅለታት ንኸራኽቡኹም የሰናድዉ እዮም። እዚ መደብ ከም መጠን ፌስቡክ-ጉጅለ ዝተዳለወ እዩ ኣብዚ ከኣ ይርከቡ: (ምስ ፌስቡክ ግዳማዊ መራኸቢ)።