ናብ እቲ ናይ መጀመሪያ መቐበሊ መንበሪ ኣብ ነጻ ሃገር ቱሪንገን ኣብ ሱህል እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም

ኣብ "መመዝገቢ ስደተኛታትን መቐበሊን ማእከል ሱህል" (EAE Suhl) ንኽንደይ እዋን ክትጸንሑ ኢኹም?

እቲ ናይ ጥዕና ምርመራን ኩነታት ጥዕናኹምን ኣብ ግምት ኣትዩ፣ ብግምት ን 6 ሰሙን ኣቢልኩም ኣብዚ ክትጸንሑ ኢኹም። ንሓደ ሓደ ጉዳያት ንውሕ ዝበለ እዋን ክወስድ ይኽእል እዩ። ግን ኣይትሰከፉ፣ ተዓገሱ ከምኡውን ምስ እቶም ናይ ሳማሪተር ቡንድ (ASB) ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ተዛረቡ። እሳቶም መዓስ ናብ እቲ ተመደብኩሞ መጻኢ መንበሪ ዓዲ ከም እትቕየሩ ክሕብሩኹም እዮም።     

ናበይ ከም ዝኽየድ፣ መን ይውስን?

ሰብ ናበይ ከም ዝቕየርን መዓስ ከም ዝቕየርን ንምውሳን፣ ናይ ቱሪንገን መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ሓላፍነት እዩ።

እሳታቶም ነቲ ናትኩም ጉዳይ ኩሉ ጊዜ ኣብ ግምት ንኸእትዉ ክጽዕሩ እዮም (እቲ ናይ ውልቃዊ ጉዳይ ውሳነ ዝተባህለ)። 

እዚ ማለት፣ እቲ ጉዳይ ኣሳላጢ ንምሳለ ንናትኩም ዜግነት፣ ሃይማኖት፣ ኣባልነት ስድራቤት፣ ናይ እቲ ከባቢ ዓቕምን ዝተቐረበ መንበሪ ገዛን ክፍልታትን ኣብ ግምት የእቱ።

ምስ እቶም ኣቐዲሞም ኣብ ቱሪንገን ዝነብሩ ዘለዉ ኣባላት ስድራቤትኩም ክትምደቡ እንተ ደሌኹም፣ ኣባላት ስድራቤትኩም ከም ዝኾኑ መረጋገጺ ከተቕርቡ ኣለኩም። እዚ ማለት ሓደ ኣባል ስድራቤት፣ በዓልቲ ቤት ወይ በዓል ቤት ኣብቲ ትምነይዎ ዓዲ ክነብር ኣለዎ።  

ናይ ሳማሪተር ቡንድ (ASB) ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ንዓኹም ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ብዛዕባ ኣበይን መዓስን ከም እትቕየሩ ክሕብሩኹም እዮም።

ብጀክኡ እውን እስኹም ብኣውቶቡስ ወይ ድማ ምስ ካልኦት ሰባት ወይ ድማ ብሓደ ናይ ህዝቢ መመላለሲ ንኽትጉዓዙ ቲኬት መጉዓዚ ትወሃቡ እንተዅንኩም ክሕብሩኹም እዮም።

ብኽብረትኩም ኣስተብህሉ:

ብምኽንያት ተላባዲ ሕማም ኮሮና ንዓኹም ንቕይረሉ ሓደ ዓዲ ምርካብ ቀሊል ኣይኮነን።  

ካባኻትኩም ሓደ ሓደ መጀመርታ ናብ ሓደ ካልእ „መመዝገቢ ስደተኛታትን መቐበልን ማእከል“ ዝኾነ ቦታ ክትቅየሩ ኢኹም። 

መርሓባ

ስነ ጥበብ፣ ኮምፑተር፣ ስፍየት፣ ቋንቋ ጀርመንኛ

ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ናትኩም ኣብ መጀመርያ መቐበሊ (EAE) ምንባር

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽንን ስደተኛታትን (BAMF) / ቦታ ምቕያር (Transfer)